ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ልኡኽ ትካል ጥዕና ዓለም ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ጎብንዩ።
ብተወሳኺ እውን እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ምስ ኣመራርሓ እቲ ኢንስቲትዩት ዘትዮም።



ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ  ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ተዛሪቦም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ታዬ ግርማ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኣገልግሎት ጥዕና ንኩሉ ተበፃሒ ንምግባር ዝተዳለዉ መፍትሕትታ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣላልዮም። 
ኩሉ ዜጋ ካብቲ ቴክኖሎጂ ተረባሒ ንክኸውን ሰፊሕ ስራሕ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝልውጠሉ፣ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ኣብ ስራሕ ኣብ ዝውዕለሉ ከምኡ እውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ሕክምና ንምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም።



ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ቅንብር ቋንቋ ተፈጥሮ (NLP) ዘሳለጦም ስራሕቲ ዝነኣዱ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ቴክኖሎጂታት ቋንቋ ማሽንን መፍለጢ ዘረባን ንዓውዲ ጥዕና ሰፊሕ ጥቕሚ ከም ዘለዎም ኣረዲኦም። 
ከም ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝበሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብታ ኣህጉር ክሰፍሑ ከም ዘለዎም ብምሕባር፤ ምስቲ ኢንስቲትዩት ብሓባር ንምስራሕን ምሕዝነት ንምጥንኻርን ድሌት ከም ዘለዎም እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም