ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ እናዓበየ እዩ ዝርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ እናዓበየ እዩ ዝርከብ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከም ዝመፀ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።
"ምጥንኻር ሓዱሽ ምሕዝነትን ንመፃኢ ሓቢርካ ምምራሕን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፎረም ንግድን ኢንቨስትመንትን 2026 ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተ ጄኔራል ጉዳያት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤስያን ፓስፊክን ኣምባሳደር ደዋኖ ከድር ከም ዝበልዎ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ዘሎ ርክብ እናተጠናኸረ እዩ ዝርከብ።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሕዚ ኣኣን ኣብ ወንታውን ኣዝዩ መርኣያን ብርኪ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም።
እተን ሃገራት ዘለወን ጠንካራን ስትራቴጂካውን እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጄኔራል፤ ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትእስሳር እናዓበየ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም።
ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ሕቡራ ዓረብ ኢምሬት ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ከተማ ሻርጃ ኣብዱላህ ሱልጣን አል ዖወይስ ብግደኦም፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ እናተጠናኸረ ከም ዝመፀ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራ ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንግድን ፍርያታትን ዝግበር ልውውጥ ንግዲ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ ፎረም፤ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ንግድን ዘፈራትን ከተማ ኣዲኣ ኣበባን ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ከተማ ሻርጃን ብሓባር ንምስራሕ መረዳድኡ ስምምዕ ተፈራሪሞም።