ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ቀፃሊ ሓሙስ ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2019 (ኢዜኣ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ቀፃሊ ሓሙስ ከም ዝጅመር ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ምክትል ፕሬዚዳንት ዘፈር ጉዳይ ዑለማን ማሕበራውን እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሼህ ሃሚድ ሙሳ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ምግዘባ ሓጅ ካብ ቀፃሊ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳለጥ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ምዝገባ ግልፂ፣ቅልጡፍን ደረጅኡ ዝሓለወን ንምግባር ኣገልግሎቱ ከም ዘማዕበለ ብምግላፅ፤ ህዝበ ሙስሊም ክምዝገብ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣህመድ ብግደኦም፤ ከይዲ ምዝገባ እዚ ዓመት ቅድሚ ሕዚ ዝረኣዩ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ብዘትርፍን ንሙስሊም ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንታሪኽ ነጃሺ ብዝምጥንን መልክዑ ከም ዝተዳለወ ገሊፆም።



እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘቕረቦ ዝለዓለ ኣገልግሎት ካብ ሳዑዲ ዓረቢያ ሽልማት "ዳይመንድ ደረጃ" (Diamond Award) ከም ዝረኸበ እውን ሓቢሮም።
እቲ ከይዲ ምዝገባ ቴክኖሎጂ ብዝጥቀሙ ማእኸላት ምዝገባ ሓጅ ክሳብ 10 ጥሪ 2019 ዓ/ም ከም ዝፀንሕ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም