ህወሓት ምስ ፀረ ህዝብታት ስለ ዝሓበረ ዘምፅኦ ለውጢ የለን - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ /ጥቅምቲ /9/2019(ኢዜኣ) ህወሓት ምስ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ስለዝሓበረ ዘምፅኦ ለውጢ የለን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢቢሲ ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፤ ህወሓት ንህዝቢ ዝጠቅም ቅዋም ከም ዘይብሉን ዝብሎን ዝትግብሮን ከም ዘይፈልጥን ሓቢሮም።
ብኣፉ ህዝባዊ ክመስል ብተግባሩ ግን ፀረ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ህወሓት ምስ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ስለዝሓበረ ዘምፅኦ ለውጢ የለን ኢሎም፡፡
ህወሓት ተቓሊሰ ኣምፂአዮ ዝበሎ ሕገመንግስቲ ንምፍራስ ምስ ሕገ መንግስቲ ዘይቕበሉ ሓይልታት ተሓባቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ብኩሉ መለክዒ ህወሓት ስርሑ ምስ ዝኾነ ዘይዳርግ ግርምቢጥ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ህወሓት ንርእሱ ከም ወራሲ ሃፀይ ዮውሃንስ እንዳሓሰበ፣እንዳተጀሃረን እንዳፈከረን ብኣንፃሩ ግና ወገሐ ፀብሐ ንዮሃንስ ምስ ዝወግኡ ብምሕባር ንሃገሩ ይወግእ ኢሎም።
ኮይኑ እውን ህወሓት ምስ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ስለዝሓበረ ጥር ዝብል ለውጢ ኣየምፅእን ክብሉ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም