መንእሰይ ትግራይ ኩናት ብምፅያፍ ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ትግራይ እጃሙ ከወፍይ ኣለዎ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንእሰይ ትግራይ ኩናት ብምፅያፍ ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ትግራይ እጃሙ ከወፍይ ኣለዎ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/9/2019(ኢዜኣ) መንእሰይ ትግራይ ኩናት ብምፅያፍ ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ትግራይ እጃሙ ከወፍይን ክረባረብን ከም ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢቢሲ ብቋንቋ ትግርኛ ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፤ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ክንዲ ቃታ ምስሓብ ኣብ ዕቤት ልምዓትን ቴክኖሎጅን ክውዕል ኣለዎ ኢሎም።
መራሕቲ ህወሓት ን50 ዓመታት ኩናት ከፊቶም ኣይሞቱን ኣይቆሰሉን፣ደቆምን ስድርኦምን ናብ ወፃኢን ኣዲስ ኣብባን ሰዲዶም ኣብ ንግዲ ወቅርን ምስራሕ ፉቓትን ተፀሚዶም ኣለው ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መራሕቲ ህወሓት ተመቺዎም እንዳነበሩ መንእሰይ ትግራይ ህይወቱ ክግብር የብሉን ክብሉ ኣገንዚቦም ፡፡
ንዘበናት ብሰንኪ ህወሓት ዝፈጠሮ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ክሳራን ምብፅሑ
ናይ ቀረባ ውግእ ከም ኣብነት ብምፅራሕ፤ ብመሰረቱ ኲናት ኣዕናዊ ከም ዝኾነ ብፍላይ ድማ ንጥቕሚ ግዳማዊ ሓይልታት ዝግበር ኩናት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዝዩ መዕነዊ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡፡
ብምኽንያት ውግእ ልዕሊ ኩሉ ዝጉዳእ ወዲ ሰብ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ትግራይ ቀሊል ዘይበሃል መንእሰይ ህይወቱ ሲኢኑ ኣካሉ ጎዲሉ እዩ ኢሎም።
በቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ልምዓታውን ቁጠባውን ከምኡ እውን ስነልቦናዊ ጉድኣት ኣቕሊልካ ዝርአ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ሐዚ እውን ክላሽ ተሸኪሙ ኮለል ዝብል ዘሎ መንእሰይ ክላሽኑ ኣውሪዱ ናብ ልምዓት ክምለስ ምዒዶም፡፡
ብሓይሊ ተገፊፉ ናብ ውግእ ዝተሰለፈ መንእሰይ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክሳተፍ ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡
መንንእሰይ ትግራይ ክትነብርን ህይወትካ ከትቅይርን ኣለካ እምበር ንውድብን መራሕቲ ውድብን ኢልካ ክትመውትን ክትቆስልን የብልካን ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ከም መብሪሂ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንእሰይ ትግራይ ንኩናት ተፀይፉ ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ትግራይ እጃሙ ከወፍይን ክረባረብን ከም ዘለዎ ኣታሓሳሲቦም።