ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክንዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ሰላም ምርግጋፅን ንካልኣይ ዙር ኲናት እዩ ዝዳለው ነይሩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክንዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ሰላም ምርግጋፅን ንካልኣይ ዙር ኲናት እዩ ዝዳለው ነይሩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ /ጥቅምቲ /9/2018(ኢዜኣ) ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክንዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ሰላም ምርግጋፅን ንካልኣይ ዙር ኲናት እዩ ዝዳለው ነይሩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢቢሲ ብቋንቋ ትግርኛ ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፤ ቁልፊ ትሕዝቶ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተዂሲ ጠጠው ምባል፣ኩሉ ዓይነት አገልግሎት ምምላስ፣ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ተመዛበልቲ ምምላስን ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍልጦ ምሃብን ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ኩሉ ዝከኣሎን ካብኡ ዝድለን ዘበለ ከም ዝፈፀመ ብምግላፅ፤ ጉጅለ ህወሓት ግና ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክንዲ ዕጥቂ ምፍታሕ ናብ ሸመታን ልመናን ዕጥቂ ብምእታው ንካልእ ዙር ኲናት መናእሰይ ይገፍፍ ከም ዝነበረ ሓቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣስዒቦም ኣብ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ በቲ ጉጅለ ምፍራሱ ኣመልኪቶም፡፡
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ህወሓት ተመዛበልቲ ጅሆ ሒዙ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ከም ዝገበረን ብመንግስቲ ፌዴራል ዳግም ኣገልግሎት ክህቡ ዝተገበሩ ከም እኒ መንገዲ ኣየር፣ባንክን ቴሌኮምን ሓዊሱ ካልኦት መሰረተ ልምዓት ናብ ምዕናውን ምዕጻውን ከም ዝተዋፈረ ኣብ ፃንሒቶም ኣረዲኦም።
እዚ ኩሉ ኮይኑ እውን ኲናት ኣየዋፅእን ይትረፈና ሰላም ይሓይሽ ኢልና መኺርና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ህወሓት ግና ንምኽርና ፀማም እዝኒ ብምሃብ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ተሓባቢሩ ዘየዋፅእ ኲናት ብምእዋጅ ብስሑት መንገዲ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣፍሪሱ ሰላም ህዝቢ ንምዝራግ ናብ ፍፁም ውግእ ከም ዝኣተወ ኣብራህሪሆም።