ህወሓት ቅንጣብ ትኣክል ባህሪ ትግራዋይነት የብሉን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 9/2019(ኢዜኣ) ህወሓት ብዝመረፆ ኣተሓሳስባ፣ዝመርፆ መሓዛ፣ዝኽተሎ ፖሊስን እምነቱን ቅንጣብ ትኣክል ባህሪ ትግራዋይነት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢቢሲ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፤ ህወሓት ብዝመረፆ ኣተሓሳስባ፣ዝመርፆ መሓዛን፣ዝኽተሎ ፖሊስን እምነቱን ምስ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ዝቃዶ ኣይኮነን ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ቅንጣብ ትኣክል ባህሪ ትግራዋይነት ከም ዘይብሉ ሓቢሮም።
ህላወ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ምስ ህላወ ህዝቢ ምትእስሳር ወይ ካዓ ድሕንነት ህዝቢ ምትእስሳር ብወገነይ መሰረት ዘይብሉ ኣታሓሳስባ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ዝንቡዑነት ሓሊፉ እውን ሓደገኛ ሓሳብ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ንምንታይ እንተተባሂሉ ንህላወ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቐ ስለዝኾነ እዩ እውን ኢሎም።
ህወሓት ከምዝፍለጥ ዳርጋ ሓምሳ ዓመት ዝገበረ ውድብ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ህዝቢ ትግራይ ግና ንኣሻሓት ዓመታት ዝነበረ፣ንቀፃሊ ኣሽሓት ዓመታት እውን ዝነብር እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ህወሓት ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ኣይነበረን ሕዚ እውን ታሪኽ ይኸውን ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ህዝቢ ትግራይ ግና ክቕፅል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ይለዓሉ ይወድቁ መንግስታት እውን ይለዋወጡ እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህዝብን ሃገርን ግና ይቐፅሉ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም ።
ህወሓት ዋላ ኣብ ትግራይ ዝቦቖለን ኣባላቱ እውን መብዛሕቲኦም ተጋሩ እንተኾኑ ቅንጣብ ትኣክል ባህሪ ትግራዋይነት ከም ዘይብሉ ኣብራህሪሆም።
ትግራዋይ ብሰንኪ ህወሓት ብዙሕ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ብምሕባር፤ ሓዚ እቲ ሓቂ ግልፂ እናኾነ ይመፅእ ከም ዘሎን ህዝቢ ትግራይ ከም ወትርኡ ኣብ ህንፀት ሃገሩ ብፂሒቱ ሒዙ ክዋሳእ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም