ኢትዮጵያ ንልምዓት ዲጂታል ክእለት ጠንካራ መሰረት ኣንፂፋ እያ-እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንልምዓት ዲጂታል ክእለት ጠንካራ መሰረት ኣንፂፋ እያ-እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 9/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕ ብልሒ(AI)ን ልምዓት ዲጂታል ክእለትን ጠንካራ መሰረት ከም ዘንበረት ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ ተኻይዱ።
ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለም ዘዳለዎ ላዕለዋይ መድረኽ ሚኒስትራ ሃፍቲ ማይ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንልምዓት ዲጂታል ክእለት ጠንካራ መሰረት ኣንፂፋ እያ።
ብሄራዊ ፖሊሲ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ፣ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያር 2030፣ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኮደራትን ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ መደመርን ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ፈተነ ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ፕሮግራማት ኣሰልጣኒ ኤኣይ(AI Coach)ን መምህር ኤኣይ (AI Tutor)ን ኣልዒሎም።