ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ክልቲኣዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 9/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ክልቲኣዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ብዝበለፀ ከም ዝሰርሓ ገሊፀን።
ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ፒኮክ ተኻይዱ።
ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ምክትል ረዳት ሚኒስትር ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ቤት ዕዮ ገንዘብ ኣሜሪካ ኤሪክ ሜየር ዘትዩ።
እቲ ክልቲኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ሓፈሻዊ ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምሕላውን ንምቅልጣፍን ዘኽእል ደገፍ ቴክኒክን ፋይናንስን ንምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት፣ብፍላይ ድማ ብዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ኣብ ዝግበሩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
ምክትል ረዳት ሚኒስትር ኤሪክ ሜየር፤ ኢትዮጵያ መዋቕራዊ ሪፎርማት ኢኮኖሚ ተግባራዊ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ንኢዶም።
ኣሜሪካ ሃናፂ ዝኾነ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ንክህልው ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋትን ዞባዊ ምርግጋዕ ንምጥንኻርን ስሩዕን ሃናፅን ዘተታት ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም