በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ-ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2019(ኢዜኣ) በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣወዳድባ ፖለቲካን ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅብዕ ውሳነ ወሲኑ እዩ።
በዚ መሰረት ድማ ነቲ ክልል ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝመርሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግሥቲ ፌዴራል ተጣይሹ እዩ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣወዳድባ ፖለቲካን ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ዓለም ብራኸ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ዘጠዓዕመሉ እዋን ትግራይ ግን ንዓመታት ብኲናትን ደበና ኩናትን ተሸሚማ ህዝባ ከቢድ ኩነታት ንክሓልፍ ተገዲዱ እዩ።
ከም ህዝቢ ክንቕፅልን ረብሓታትና ብዘላቕነት ክነረገግፅን እንተድኣኮይንና ካብዚ ታሪኻዊ ዓንኬል ክንወፅእ ኣለና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ ኢሎም።
ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ እውን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ከም ዝሰርሕ ኣብራህሪሆም።
ህዝቢ ኣብ መደባትን ኣፈፃፅምኦምን ዝሓሸ ተሳትፎ ንክህልዎ ብፍሉይ ትኹረት ከም ዝስራሕ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም