በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ብቀዳምነት ክንዋፃእ ኢና-ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ብቀዳምነት ክንዋፃእ ኢና-ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2019 (ኢዜኣ) በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ብቀዳምነት ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅንዕ ውሳነ ወሲኑ።
በዚ ድማ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣጣይሹ እዩ።
ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኖም ዝተሾሙ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፖልቲካ ጥፍኣትን ቁማርን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንሓዋሩ ኣብቂዑ እዩ።
እቲ ዝተጣየሸ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀንዲ ስርሑ ሰላምን ምርግጋዕን ብምርግጋፅ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ህዝቢ፣ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ምጥንኻር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ተግባር ብብቕዓት ንምውፃእ ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ዝተመዛበሉ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ መንበሪኦም ምምላስን ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕን እውን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትኹረት ካብ ዝህቦም ጉዳያት እዮም ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ንነዊሕ እዋን ዋጋ ከፊሉ እዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን እቲ ህዝቢ ብዝመረፆ መንግሥቲ ንክመሓደር ንምግባርን ዘኽእሉ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብምውፃእ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንምውፃእ ከም ዝተዳለዉ ኣረዲኦም።
ንቀፃሊ መረፃ ምችው ኩነታት ምፍጣር ትኹረት ከም ዝግበር እውን ሓቢሮም።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ልኡኽትኡ ንምፍፃም ምስቲ ህዝቢ፣ሲቪክ ማሕበራትን ውድባር ፖለቲካን ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።