ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ
ባህርዳር፤ ጥቅምቲ 7/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ጎንደር፣ ገንዳ ውሃ፣ ሰቖጣ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልዲያን ካልኦት ከተማታትን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ሰልፊ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ንምፅናዕ ንዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎ ዝድግፍ እዩ።
ኣብቲ ሰልፊ፤ ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ሒዞም እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።