ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ተጣይሹ - ኢዜአ ትግርኛ
ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ተጣይሹ
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 6/2019 (ኢዜኣ)፦ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ተጣይሹ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅብዕ ውሳነ ወሲኑ።
ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፍታሕ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ብምኽንያት ህወሓት ከይተሳኽዐ ተሪፉ እዩ።
ሰላም ዘይደለየ ኣመራርሓ ህወሓት ን4ይ ግዜ ዝጀመሮ ኣዕናዊ ኲናት ን4ይ ግዜ ብስዕረት ህወሓት ተዛዚሙ ኣሎ።
ህዝቢ ትግራይ ዝረሓቖ ሰላም ንክጎናፀፍ፣ መሰል ዓርሰ ምሕደርኡ ንክረጋገፅ ከምኡ እውን ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘይረኸቦን ትሩፋታት ልምዓት ንምጥዕዓም ንክኽእል ካብ ጎንፂ ክወፅእ ኣለዎ።
ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ፌዴሬሽን ዝፅበኦ ቦታ ረኺቡ ሰላም ምኽባር፣ ትኹረቱ ኣብ ልምዓት ምግባርን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ፀኒዑን ክነብር ኣለዎ። እዞም ኩነታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምችቻው በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግሥቲ ፌዴራል ክልል ትግራይ ብመሰረት ደንቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተጣይሹ።
እዚ ምምሕዳር ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንትግራይ ዘመሓድር እዩ።
ቀንዲ ተግባሩ፦
ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ሰላምን ምርግጋዕን ብቕልጡፍ ብምፍታሕ ዝተረጋግዐ ኩነታት ምፍጣር፤
ዝፈረሱ መንግስታዊ መሓውራት መልሲካ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ስሩዕ ኣገልግሎት ዝኾነሉ ኩነታት ምፍጣር፤
ብኲናት ምኽንያት ዝተጎድኡ መሰረተ-ልምዓታት ብምፅጋን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባር ብብርኪ ሃገር ዝርኣዩ ፀጋታት ልምዓት ኣብ ትግራይ እውን ክስፋሕፍሑ ዝኽእልሉ ኩነታት ምምችቻው፤
ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ፤
ኣብቲ ክልል ተቛሪፆም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕፅሉ ምግባር፤
ከምኡ’ውን ዝተረጋግዐ ፖለቲካዊ ኩነታት ተፈጢሩ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ነፃን ግልፅን መረፃ ተኻይዱ ትግራይ ስሩዕ ኣካል እቲ ፌዴሬሽን ትኾነሉ ኩነታት ምምችቻው፤
ምስ ምክልኻል ፌደራል ፣ ትካላት ፖሊስን ደሕንነትን ከምኡ’ውን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምውዳድ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ኣብ ዘሎ መዋቕር ዝተረጋገዐ ኩነታት ክፍጠር፣ ዕጡቓት ዕጥቆም ብምርካብ ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱን ተሃድሶ ክገብሩን ኩነታት ምምችቻው፣ መሓውር ፀጥታ እቲ ክልል ከም ብሓዱሽ ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ይህልዎ፤
ሰላም ክፀንዕ፣ ስነ-ልቦና ህዝቢ ክስተኻኸልን ናብ ልምዓትን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ክኣቱ ዘኽእሎ ድሉውነት ክህልዎ ምግባር፤
ስራሕቲ ሚዲያ ምትሕብባር፤ በቢ ብርኩ ዝግበሩ መድረኻት ህዝቢ ምድላው፤
ቀፃሊ መረፃ ሰላማውን ኣካታቲን ክኸውን ዘኽእሉ ተግባራት ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝፍፅሞም ኩሎም ተግባራት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ፣ ግዝኣት ሓድነት ኢትዮጵያ ፣ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ መሰረት ክገብር ኣለዎ። ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ፣ ናይቲ ክልል መዓልታዊ ኣገልግሎታት ካብ ምቕራብን ንቐፃሊ መረፃ ኣኽኣላይ ኩነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ስትራተጂካዊ ትርጉም ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ኣይንቀሳቐስን። ተግባሩ እውን ካብ ፌዴራል መንግስቲ ብዝውሃቦ ኣንፈትን መምርሒን መሰረት የሳልጥ።
ዋና ፈፀምቲ እቲ በዓል ሓደራ መንግስቲ ፦
ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ -ዋና ፈፃሚ ኣገልግሎት ምምሕዳርን ህዝብን
ዶክተር ቴዎድሮስ ኣረጋይ ወ/ስላሴ - ዋና ፈፃሚ ኢኮኖሚን መሊስካ ህንፀትን
ብ/ጄ ገብረእግዚኣብሔር በየነ ሓይሉ - ዋና ፈፃሚ ፀጥታን ሰላምን
ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ወ/ስላሴ - ዋና ፈፃሚ ፖለቲካን ውዳበ ህዝቢን
ዶክተር ሽሻይ ኣማረ - ከንቲባ ከተማ መቐለ
ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።
ንዝፍፅምዎም ኩሎም ምንቅስቓሳት ካብ ፌዴራል መንግስቲ መምርሒ፣ ኣንፈት፣ ደገፍን ክትትልን ክግበረሎም እዩ።