ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሉኣላዊ መሰል ኣለዋ-ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ማግዲ ካሊሊ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሉኣላዊ መሰል ከም ዘለዋ ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ማግዲ ካሊሊ ገሊፆም።

እቶም ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣመራርሓ ግብፂ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ምቅዋምን ኣብ ምትዕንቓፍን መሰረት ንዝገበረ ፖሊሲኦም ብፅኑዕ ኮኒኖም።

ግብፂ ኣርሒቖም ዝሓስቡን ብሱላትን መራሕቲ እንተዝህልውዋ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንክትጥቀም ካብ ምቅዋምን ምትዕንቓፍን ደገፍ ምገበሩ ነይሮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታን በዝሒ ህዝባን ዓባይ ዝኾነት ሃገር ስለ ዝኾነት ናብ ቀይሕባሕሪ ምብፃሕን ናይ ምጥቃምን መሰል ከም ዘለዋ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ወናኒት በሪ ባሕሪ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እውን እንትኮነ ንጎረቤት ሃገራት ምኽንያት ጉድኣት ወይ ድማ ስግኣት ኮይና ከም ዘይትፈልጥ ኣዘኻኺሮም።


 

ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ድሌታተን ተዘራሪበን ዞባዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእለን ዘተ ንክገብራ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ጥዕና ዘይብሉ ውድድር ኣወጊድና ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ተንታኒ፤ ሰላማዊ ስምምዓት ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብተግባር ንምምላስ መንገዲ ከም ዝኸፍቱ ኣረዲኦም።

ሓደ ሓደ ሃገራት ንኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘርክብ ስምምዕ ንምፍርራም ድሉዋት ከም ዝኾና ብምግላፅ፤ ናይ ነቂሕ እዋን ውዕላት ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ዘላቒ ሰላምን ምትሕብባርን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።

ካይሮ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንትኽተሎ ኣንፈት ፖሊሲ ብምኹናን ግብፅን ካልኦ ሃገራት ዓረብን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1960 ኣብ ውሽጢ ካይሮ ንዝተመስረተ ግንባር ናፅነት ኤርትራ ዝገብርኦ ዝነበራ ደገፍ ኣልዒሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1991 ነፃ ምውፃእ ኤርትራን ምስኣን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያን፤ ነዚ ውሳነ መበገሲ ዝኾኑ ቅዋማት ፖሊሲ እቲ ዞባ ዳግማይ ምፍታሽኣድላይ ከም ዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ተንታኒ፤ ግብፂ ንግንባር ናፅነት ኤርትራ ምድጋፋ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህሉ ንዝግባእ ርክብ ሕውነትን ምትሕብባርን ዝጎድአ ታሪኻዊ ስሕተት ከም ዝነነረ ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም