ህዝቢ ከተማ መቐለ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይ ምንም ስግአት የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2019 (ኢዜአ) ብዝተፈጥረ ሰላምን ምርግጋዐን ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይ ምንም ስግአት የሳልጥ ከምዘሎ ሪኢቶኦም ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጰያ ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።

 ድሑር ጉጅለ ህወሓት ብሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጰያ ተፀራሪጉ ድሕሪ ምውፅኡ አብታ ከተማ ብዝተፈጠረ ሰላምን ምርግገእን ነባሪ እታ ከተማ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይምንም ፀገም የሳልጥ ከምዘሎ እተም ውሃብቲ ሪኢቶ ፀሪሖም።

ሪኢቶኦም ካብ ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ መንእሰይ በለጠ አማረ ከምዝበሎ አብ ፀልማትን ፍርሕን ከምኡውን አብኩናትን ወረ ኩናትን ተዋሒጡ ዝፀንሐ እቲ ህዝቢ ብሓይሊ ምክልኻለ ሃገር ኢትዮጰያ ናብ ብሩህ ተስፋን ብርሃን ተሰጋጊሩ።


 

ስሩዕ መረፃ ክሳብ ዝግበር ብፉፁም ነፃነት ጊዝያዊ አመሓደርቲ አብ ምምራፅ አብ ሃይሃይታ ከምዝርከብን ቅድም ክብል ተቋሪፆም ህፀንሑ ማሕበራዊ አገልግሎታት ናብ ስራሕ እናተመለሱ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሩ እዩ።

ብፍላይ ዓብይ ፀገም ፈጢሩ ዝፀንሐ ልዑል ሕፅረት ነዳዱ ንምእላይ ነዳዲ ዝፃዓና መካይን ብበዝሒ ምእታው ምጅማረን  ሓቢሩ እዩ።

ካሊእ ውሃቢ ሪኢቶ ኦይተ ያሲን መሓመድ ብወገኖም ከምዝበልዎ ቴላኮም መብራህቲ ሸቀጣሸቀጥ ግልጋሎት ባንኪ አየር መጓዓዝያን እውን ስሩዕ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

ፀጥታ እታ ከተማ ብቀፃልንት ንምርግጋፅውን ነባሪ እታ ከተማ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብምትሕብባር ዝተዋደደ ስረራሕ ይሳለጥ ክምዘሎ  እቶም ውሃቢ ሪኢቶ ፀሪሖም እዮም።

ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ምስ  ሓይሊ ሰላም ትግራይ ብምኻን ብዓወት ናብ መቐለ እንትአቱ ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ናብ አደባባይ ብምውፃእ ብልዑል ታሕጓስን ዕልልታን ከም ዝተቐበሎም እቶም ውሃብቲ ሪኢቶ ከይገለፁ አይሓለፉን።   

መንነቱ ብዕንወትን ስርቅን እናገለፀ ዝቐፀለ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት በዚ ፍጻምኡ ንኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ሰራቕን ጉጅለ ጥፍኣትን ከም ዝኾነ እቶም ነበርቲ ብተዳጋጋሚ ኣርእዩ እዩ ክብሉ ፀሪሖም።

እቲ ጉጅለ ካብ ከተማ መቐለ ወፂኡ እንትሃድም ቢሮ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀፅሪ ዝርከቡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን ስርቅን ዕንወትን ፈፂሙ ከምዝሃደመ ኣመልኪቶም ።

ክልል ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበራ ሰላማዊ ኩነታት ንኽትምለስ መንግስቲ ፌደሪኢ ዝጀመሮ ፃዕሪ ብምትሕብባር ምጥንኻር ከም ዘድሊ ብምሕባር፤ ብወገኖም ምስ ህዝቢ ብምኹን ብፅሒቶም ንምውፃእ ድሉው ምዃኖም  ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም