ኢትዮጵያ ጠንካራ ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ናይ ምህናፅ ጉዕዞኣ ኣጠናኺራ ክትቅፅል እያ - ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪን ጠንካራን ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝሓዘቶ ጉዕዞ ኣጠናኺራ ከምክትቕፅል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዓመታዊ ኣኼባ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF)ን ዓለም ባንክን 2026 ኣብ ታይላንድ ባንኮክ ይካየድ ኣሎ።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ "Finance For Development Lab" ዝተባህለ ትካል  "ህይወት ድሕሪ ዕዳ፤ ሃገራት ድሕሪ እዋን ቅልውላው ከመይ ክሓውያን ክዓብያን ይኽእላ?" ብዝብል ርእሲ ዝሰናደኦ ዘተ ተካይዱ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ እንተኾኑ፣  ተመክሮ ኢትዮጵያ ኣልዒሎም።

ናይ ሓደ ሃገር ፀገም ዕዳ ምፍታሕ ንዘላቒ ዕብየት መበገሲ እምበር ናይ መወዳእታ ሸቶ ከምዘይኮነ ገሊፀም።


 

ሃገራት ብቕልጡፍ ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምፃእን እዋኑ ዝሓለወ መቃለሊ ክፍሊት ዕዳ ወይ እፎይታ ምርካብ፣ ዝተዋደደ ምትሕብባር ኣለቃሕቲ  ከምኡ’ውን ዘተኣማምን ማክሮ-ኢኮኖሚ ሪፎርማት ብህፁፅ ክትግብሩ ከም ዘለዎም  ኣልዒሎም።

ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዕዳ ተላቒቀን ናይ ባዕለን ኣጀንዳታት ልምዓት ብገዛእ ርእሰን ንኸሳልጣ፣ ስርዓት ዓለምለኸ ፋይናንስ ንፀገማት እተን ሃገራት ቕልጡፍን ግብኡን ምላሽ ብዝሃብ መንገዲ ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ኢትዮጵያ ዝበለፀ ጠንካራ፣ ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪን ብኢንቨስትመንት ዝመራሕን ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ኣጠናኺራ ከምክትቅፅል ገሊፀም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም