መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ባህር ዳር ፅባቐ ከተማ ምስ ልምዓታዊ ራእይ መንግስቲ መደመር ብምትእስሳር፣ ሓዱሽ ምስሊ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ተንፀባርቕ ኣላ።

ሎሚ ህንፀት ቤት ፅሕፈት ክልል ፕሬዝዳንትን ቤተ-መንግስትን ኣጀሚርና ኣለና። ጣናን ኣባይን ኣብ ዝርኣይሉ መኣዝን ጣና ዝግበር ህንፀት ኣብ መረፃ ቦታን ብዝበለፀ ዲዛይንን ክህነፅን ሓሳብ ንዝሃቡና ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣስተዋፅእኦም ፍሉይ ብምዃኑ ምስጋና ይግበኦም።

እቲ ፕሮጀክት፣ መንግስቲ መደመር ከባቢ ስራሕ ምምሕያሽን ደረጃኦም ዝሓለዉ ጠንካራ ትከላት ንምህናፅን ዘለዎ ራእይ ማእኸል ዝገበረ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ርእሰ-ምምሕዳርን ቤተ-መንግስቱን ካብ ናይቲ ክልል እሴታትን መለለዪ ባህርያት ብምብጋስ ብሰብ-ሙያ ሃገር ውሽጢ ዝተነደፈ እንተኸውን፣ ዘመናዊነት ምስ ሃገር-በቆል ሓሳባት ዘጣመረ እዩ።

መንግስታዊ ትካላት ምዝማን ንዝበለፀ ምሕደራን ንዝሐሸ ኣገልግሎት ህዝብን ዘለና ቆራፅነት ዘርኢ እዩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም