ኢትዮጵያ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዓንዲ ስትራተጂ ልምዓታ ብምግባር እናሰርሐት እያ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዓንዲ ስትራተጂ ልምዓታ ብምግባር እናሰርሐት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ድኤታ ገንዘብ ትዕግስት ፍስሃ ገሊፀን።
ዓመታዊ ኣኼባ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብን (IMF) ን ባልኪ ዓለምን 2026 ኣብ ታይላንድ ባንኮክ ይካየድ ኣሎ።
ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ብሰብ-ሰራሕ ብልሒ ዝመልከት ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር ድኤታ ገንዘብ ትዕግስት ፍስሃ ተሳቲፈን።
ብተወሳኺ ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት ፣ ኣመራርሓታት ባንኪ ዓለም ፣ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብን ፋውንዴሽንን ጌትስ ተረኺቦም እዮም።
እቲ መድረኽ ዘተ፣ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ንኣካታቲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ዘላቒ ልምዓትን ኣብ ምጥቃም ሓበራዊ ኣረኣእያታት ንምልውዋጥን ጭቡጣት ዓውድታት ምትሕብባር ንምልላይን ዘኽእል ዕድል ፈጢሩ።
ሚኒስትር ድኤታ ገንዘብ ትዕግስት ፍስሃ፣ ኢትዮጵያ ንዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ንሰብ-ሰራሕ ብልሕን ኣብ ልምዓታዊ ስትራተጂኣ ቀዳምነት ብምሃብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣመላኺተን።



እ.ኣ.ኣ ኣብ 2019 ዝተጣየሸ ኢንስቲትዩት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ኢትዮጵያን ኣብ ህንፀት ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰብ-ሰራሕ ብልሕን ናይዚ መርኣያ ምዃኖም ጠቒሰን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ፣ ነባራዊ ፈተናታት ኣፍሪካ፣ ሓበሬታታትን ናይ ውሽጢ ሃገር ቋንቋታትን መሰረት ዝገበሩ መፍትሒታት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ምላማድ፣ ምትግባርን ኣብ ከይዲ እውን ዓቕሚ ምምዕባል ብምህናፅ፣ እታ ኣህጉር ኣብ እሴት ሰንሰለት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ንቕሕቲ ተሳታፊት ክትከውን ኣለዋ ብምባል ኣስሚረናሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ፣ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳርን ሕጋዊ ማዐቀፋት ዙሪያ ምስ መሓዙት ልምዓት ብምትሕብብር ንምስራሕ ዘለዋ ሙሉእ ድሉውነት ኣረጋጊፀን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ፣ ዓለም ባንክን ካልኦት መሓዙት ልምዓትን ንኢንስቲትዩት ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ኢትዮጵያን ዩኒቨርሲቲ ሰብ ስራሕ ብልሕንን ክደግፉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም