ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ውሳነ ሓሳባት መርሚሩ ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ውሳነ ሓሳባት መርሚሩ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ውሳነ ሓሳባት መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሑ መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣባላት ኣማኻሪ ኮሚቴ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ንምስያም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ኣፅዲቑ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ንምውሳን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ እውን ብተመሳሳሊ መርሚሩ ኣፅዲቑ።
ብተወሳኺ ምደባ ሕፁያት ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ብዝመልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።