ጉጅለ ታዓዛቢ ቴክኒክ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ አበባ/ጥቅምት /5/2019 (ኢዜኣ)፦ጉጅለ ገምገምቲ ቴክኒክ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2018 ንምትእንጋድ ትርከበሉ ዓቕሚ ምድላው ንምግምጋም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ሚኒስትር ስፖርትን መናእሰይን አክሊሉ ታደሰ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ እቲ ጉጅል ኣብ ዝህልዎ ፀንሒት መሰረተ ልምዓት ስፖርት፣ ብርኪ ስታዲዮማት፣ ዘፈራት ሆቴላትን መስተንግዶን ከምኡ እውን ምድላው ትራንሰፖርትን ሎጂስትክስን ብዝርዝር ክግምግም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ።

ኣባላት ይእቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣቀባብላ ምግባሮም መረዳእታ ሚኒስቴር መናእሰይን ስፖርትን ይሕብር።

ኢትዮጵያ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ነቲ ንኣህጉራዊ ውድድር ናብ ምድራ ንምምላስ ሕቶ ምእታዋ ዝዝከር 'ዩ።ኣባላት ይእቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣቀባብላ ምግባሮም መረዳእታ ሚኒስቴር መናእሰይን ስፖርትን ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም