ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዝተፀገሙ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ እናተገበረ እዩ

ሰመራ፣ ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዝተፀገሙ ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ይግበር ኣሎ።

ካብ ኣዳማ ማእኸል መኻዚን መዋህለሊ እኽሊ ብቀዳማይ ዙር ዝተፀዕነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ክልል  ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ይዕደል ኣሎ።

ሎሚ ዕለት እውን ኣብ ወረዳ ቢዱ ጣብያ ጊሪፎ ንብዙሓት ወገናት ተበፃሒ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ሓገዝ ዝተገብረሎም ወገናት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።




ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ምዝባዕ ኣብቲ ኣከባቢ ብዝተከሰተ ድርቂ ንፀገም ምግላፆም ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፣ ሓገዝ ኣብ ዘድለየና እዋን በፂሑልና ኢሎም።

ሓገዝ ካብ ዝተገብረሎም ወይዘሮ መይረም ኣብዱ፤ ዝተገብረልና ሓገዝ ንደቅናን ንመላእ ቤተሰብናን ዘጋጠመና ሕፅረት ምግቢ መፍትሒ ዝኾነና እዩ ብምባል ገሊፀን።

መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብምርዳእ ቕልጡፍ ምላሽን ሓገዝን ብምግባሩ ኣመስጊነን።

ካልእ ተጠቃሚት እቲ ሓገዝ ወይዘሮ ኣሲያ መሓመድ፤ ኣብቲ ኣከባቢ ዘጋጠመ ፀገም መንግስቲ ፈሊጡ ኣድላይ ሓገዝ ስለዝገበረልና ነመስግን ኢለን።


ብመንግስቲ ሓገዝ እንተዘይግበረሎም ነይሩ ባዕለንን ቤተሰበን ናብ ዝገደደ ፀገም ክወድቃ ከም ዝነበሩ ገሊፀን።

ብምዃኑ ድማ ንዓኣን ሓዊሱ ንካልኦት ነበርቲ እቲ ከባቢ  ዝተገብረሎም  ሓገዝ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ  ክልል ዓፋር መራሒ ጉጅለ ፅሬትን ቁጽጽርን መኽዝን ኣይተ መሓመድ ኣብደላ፤ ኣብቲ ክልል ናይ ቀዳምነት  ቀዳምነት ሓገዝ ንዝደልዮም ወገናት ሓገዝ  ይግበረሎም ምህላዉ ተዛሪቦም።

እቲ ክልል ብናይ ባዕሉ  ዓቕሚ ሓገዝ ንዝደልዩ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብር ምፅንሑን ሐዚ እውን እናገበረ ምህላዉን ብምልዓል፣ ካብ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ዝተልኣኸ እውን  ቀዳምነት ንዝደልዮም ወገናት ይበፅሕ ምህላዉ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን  ወረዳ ቢዱ ኣይተ የሱፍ መሓመድ፤ ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብቲ ኣከባቢ ዝተከሰተ ድርቂ ንነበርቲ  ንፀገም ከምዘቃለዖም ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ዘሎ ፀገም ብምርዳእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባር እዋናውን ኣድላይን ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም