ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ)፦ መበል 7ይ ቤት ምኽሪ  ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከካይድ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ  ፅባሕ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 55(19)ን ደንቢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባር ኣባላትን ባይቶ ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 152ን ኣባላት ኣማኻሪ ኮሚቴ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ንምስያም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብመሰረት ደንቢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባር ኣባላት ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 4(1)(መ)ን ዓንቀፅ 5(4)(መ)ን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣወዳድባ፣ ተግባራትን ሓላፍነታትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ንምውሳን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ ተባሁሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ የመልክት።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ምደባ ሕፁያት ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም