ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብስልኪ ዘትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባውን በዓል ብዙሕ ወገንን ሓባራዊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ኣዝዩ ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ሓቢሮም።

እቲ ዘካየድናዮ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካውን ተግባራውን ምሕዝነት ንምዕባይ ብኽልቲአን ሃገራት ዘሎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ብዝምልከት ዝሃበቶ መረጋገፂ ዝነኣዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ክልቲኣዊ ምትሕብባርና ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ዞባውን በዓል ብዙሕ ወገንን መድረኻት ቀዳምነት ኣብ ንህቦን ሓባራዊ ጉዳያት ሓቢርና ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት የረጋግፅ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም