ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለወን ምትሕብባር ከም ዘጠናኽራ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለወን ምትሕብባር ከም ዘጠናኽራ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ ብሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕን እዩ ተፈሪሙ።
ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለውዋ ቅድመ ኣጀንዳታትን ኣንፈታት ትኹረትን ብብርኪ ዓለም ንምልላይን ንምግላፅን ዘኽእላ ደገፍ ገንዘብ ዴንማርክ ከም ተቕርብ ተገሊፁ።
እዚ ሓዱሽ ስምምዕ ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት ለውጢ ኣየር እናሳለጠቶ ዝፀንሐት ንቑሕ ተሳትፎ መሰረት ብምግባር ዝተፈፀመ እንትኸውን፤ ዘላቒ ቀፃሊ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽር እውን ተሓቢሩ።