ኣዲስ ኣበባ ንኸተማታት ኣፍሪካ ኣብነት ምዃን ጀሚራ ኣላ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣዲስ ኣበባ ንኸተማታት ኣፍሪካ ኣብነት ምዃን ጀሚራ ኣላ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፤ ኣዲስ ኣበባ ንኻልኣይ ግዘ ዘተኣናገደቶ ተሳተፍቲ ፎረም ኣመራርሓታት 2026 ኢኒሼቲቭ ኣመራርሓ ከንቲባታት ከተማታት ኣፍሪካ (AMALI) ሎሚ ምቕባለን ኣመላኺተን።

እቲ መድረኽ ልምዲ ንምልውዋጥ፣   ነንሕድሕድ ንምምሃርን ከተማና ተካይዶ ዘላ ጉዕዞ ለውጢ ልምዲ ንምክፋልን ጠቓሚ ዕድል ምፍጣሩ ኣመላኺተን።

ጉዕዞ ለውጢ ከተማና ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣርሒቕካ ሓሳባይነትን ንኸተማና ብዘቐመጡላ ራእይን ዝተዋደደ ምዃኑ ብምግላፅ፣ እዚ ራእይ ናብ ጭቡጣት ውፅኢታት ልምዓት ንቕይሮ ኣለና ኢለን።

ኣብ ትራንስፖርት፣ ህንፀት ኣባይቲ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ኣገልግሎታትን ኣብ ምህናፅ ወለዶን ኣብ ነሳልጦም ስራሕቲ ተጠቃምነት ነበርትና ነረጋግፅ ኣለና ክብላ ተዛሪበን።


 

ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ፋይናንስን ፍልጠትን ተመርኵስና ብምስራሕና፣ ተመክሮ ኣዲስ ኣበባ ንኻልኦት ከተማታት ኣፍሪካን ዓለምን ጠቐምቲ ትምህርትታት የበርክትን ሓደሽቲ ዕድላት ልምዓት የርእን ብምህላዉ ዘሕጉስ ምዃኑ እየን ገሊፀን።

ብፍላይ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ህፃናት ንምዕባይ ዝበለፀት ከተማ ንምግባር ዘሎና ፅኑዕ ቆራፅነት እናርኣና ኢና ኢለን፡፡

ኣብ ዕብየት ህፃናት (ECD) ዘተኮሩ ተግባራት ብምጥንኻር፣ ደሕንነት ህፃናት ፣ ትምህርትን ሀይወትን መፃኢን ኣብ ማእኸል ኣጀንዳ ልምዓት ከተማና ኣንቢርናዮ ኣለና ክብላ ተዛሪበን።


 

ምስ ኢኒሼቲቭ ኣመራርሓ ከንቲባታት ከተማታት ኣፍሪካ (AMALI) ን መራሕትን ተሳተፍትን እቲ ፎረም ብምዃን፣ ኣብ ከተማና ብፍሉይ ኩነታት ዝተሃነፀን ነቲ ፕሮግራም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበረት ሊዛ ዲዬጎ መዘከርታ ዝተሰየመን ማእኸል ክንክን ህፃናት ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ምግበሩ ኣመላኺተን፡፡

እተን ከንቲባ ንዕውትነት እቲ መርሃ ግብሪ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ መስራቲ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ፣ ኣቦመንበርን ፕሬዝዳንትን ጄሚ ኩፐር፣ ንዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፋውንዴሽን ዶክተር ከሰተብርሃን ኣድማሱ፣ ኣማኸርትን ናይቲ ፕሮግራም ኣመራርሓታትን ምስጋነአን ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም