ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ካልኣይ ዙርያ ደገፍ ተጓዓዒዙ

ኣዳማ /ጥቅምት /4/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ካልኣይ ዙር ደገፍ ይጓዓዓዝ ምህላዉ ከሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጲያ ኣፍሊጡ ።

ሎሚ ዕለት ካብ ኣዳማ መኸዝን ማእከል መዋህለሊ እኸሊ ሰብኣዊ ደገፍ ንዝፃዓኑ ተሽከርከርቲ ናብ እቲ ክልል ኣምሪሐን ኣለዋ ።

እቲ ክልል ብዓቕሙ ምላሽ ንምሃብ ፃዕሪ እናገበረ እንትኸውን፤ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ሓገዝ እናበፅሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።


 

እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ እናሀቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምጥንኻር ተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ብዓቕሚ ሃገር ምላሽ ናይ ምሃብ ፃዕሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቱ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ቀዳምነት ሓገዝ ንዝሓቱ ወገናት ይለኣኽ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ክበፅሖም ከም ዝግበር እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ ኣሎ ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም