ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ንኩለ መዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ንኩለ መዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ።
ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጀል ክላርክ ዘትዮም።



ናይጀል ክላርክ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምቕፃል ዘለዋ ጠንካራ ተበግሶ፣ፃዐርን ፅንዓትን ንኢዶም።
እታ ሃገር ዘጋጠምዋ ፈተናታት ብኣግባቡ ብምፅዋር ዘርኣየቶ ቆራፅነትን ኣንፈት እቲ ለውጢ ሓልያ ናይ ምቕፃል ዓቕማን ኣፅንኦት ሂቦም ኣልዒሎም።
ብተወሳኺ እውን እቶም ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር፤ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንኩለ መዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝገብሮ ደገፍን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም