ሕሉፍ ቁስሊ ንምፍዋስ ሓድሽ ምዕራፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕሉፍ ቁስሊ ንምፍዋስ ሓድሽ ምዕራፍ
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝወሰዶ ስራሕ ምኽባር ፀጥታ ትግራይ ናብ ንቡር ሰላም ከምዝተመልሰት ነበርቲ ምዝራብ ጀሚሮም ኣለዉ።ሕሉፍ ቁስሊ ህዝቢ ንምፍዋስ ሓድሽ ምዕራፍ ብመንግስቲ ፌዴሪኢ ተጀሚሩ ኣሎ
ካብ ሰላም ዝዓቢ ነገር የለን ፣ ድሮ ሰላም ተረኺቡ መዓልታዊ ንጥፈታት ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ክፍፅሙ ብምኽኣሎም ነበርቲ ከተማታት ዝተሰምዖም ሓጎስ ናብ ኣደባባይ ውፂኦም ይዛረቡ ኣለዉ።ውፅኢት መንግስቲ ዝሃቦ ህፁፅ ምላሽን ደገፍ ህዝቢ ትግራይን።
ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስን ብዓቕሙ ኣብ ህፁፅ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ዝሰርሖም ስራሕቲ ብዝናኣድ መልክዑ ቀፂሉ ኣሎ።
መንግስቲ ብዝሃቦ ህፁፅ ምላሽ ህዝቢ እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ዕለታዊ ንጥፈታቱ እናተመለሰ እንትኸውን፣ ከም ባንክን ቴሌኮምን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ናብ ስራሕ ተመሊሱ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ፣ዓድግራት፣ መቐለ ዝተኻየደ ድሙቕ ህዝባዊ ደገፍን ኣቀባብላን ንፃዕርታት ሰላምን ስጉምትታት ምምላስ ኣገልግሎታትን ፌዴራል መንግስቲ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ ዘርኣየሉ እዩ ነይሩ።
ካብዚ ብዝሓለፈ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊን ድሑርን ጉጅለ ህወሓት ይበፅሖ ዝነበረ ጭቆናን ብግልፂ ዘመልክት ከምኡ እውን ኣየር ሰላም ምስትንፋስ ምጅማሩ ዘርኢ እዩ።
መንግስቲ ኣብቲ ክልልን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ከባቢታት ብምፍላይ ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣላማጣን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ከቢድ ፀገምን ስቓይን ንዝነበሩ ወገናትና ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ተጀሚሩ እዩ።
ኣብቲ ክልል ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምፍታሕ ኣፅዋርን ዕጡቓት ሓይልታት ምውፃእን ናብ ሰላማዊ ህይወት ምምላስን ዘጠቓልል ከይዲ ዲ.ዲ.ኣር እውን ዳግም ተጀሚሩ ኣሎ።
ካብ ጎንፂ ወፂኦም ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ ዝወሰኑ ዕጡቓት ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኣብ ማእኸላት ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል እናተመዝገቡ ይርከቡ።
ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ጭቆና እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተገላጊሉ፣ ኣብዚ እዋን ኣየር ሰላም እናተንፈሰ ይርከብ።
መንግስቲ ንሕቶታት ሰላምን ልምዓትን እቲ ህዝቢ ዝሃቦ ቅልጡፍ ምላሽን ደገፍ እቲ ህዝቢን፣ ኣብ ሓፂር እዋን ኣወንታዊ ውፅኢታት ንምምዝጋብ ኣኽኢሉ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ንመቐለ ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ልምዓት ኮሪዶር ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናኣሰይ፣ ሰፋሕቲ መነቓቐሒ ተግባራት ኢኮኖሚ ፣ኣገልግሎት መሶብን ካልእን ሓዊሱ ዝተቐላጠፈ መኣከላት ዝርግሐ መንገስታዊ ኣገልግሎታት ንኸጅመር ድሮ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ ።
ሃገራዊ ልኡላውነት ንምኽባርን ጉዕዞ ምዕባለኣ ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ እናተጠናኸረ ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።
ስድራቤታት ትግራይ ደቆም ብሰላም ተመሊሶም ማዕረ ማዕረ ህዝቦም ንምህናፅ ዝገብሩዎ ተስፋ ብግቡእ ክግንዘብ ይግባእ። እቲ ሰላማዊ ናብራን ምጥያሽን ድማ ናይ ሕሉፍ ቁስሊ ንምፍዋስን ሓድሽ ምዕራፍ ንምጅማርን ዘኽእል ብሕታዊ ኣማራፃ ‘ዩ።