ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ረዳት ዋና ፀሓፊ ቤት ዕዮ ገንዘብ ፈረንሳይ ቶማስ ሪቪያል ክልቲኣዊ ዘተ ገይሩ።
እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ኢኮኖሚ ንምግምጋም ዘኽእል ሰናይ ጋጣሚ ፈጢሩ እዩ።
ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዘምፅኦ ኣወንታዊ ለውጥን ፈረንሳይ ንኣጀንዳታ ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ደገፍን ተሳትፎን ተዳህሲሱ።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልምዓት ፋይናንስ፣ ዘላቒ ስርዓትን ምምሕዳርን ልቓሕ፣ ኢንቨስትመንት ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ሓሳባት ተለዋዊጦም።
እቲ ዘተ፤ ምርግጋዕ ኢኮኖምን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ቀፃልነት ንዘለዎ ምሕዝነት ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ኣፅንኦት ተዋሂብዎ።