ኢንስቲትዩት ሜቴዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ልምዓት እታ ሃገር ናይ ምድጋፍ ዓቕሙ እናዕበየ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ሜቴዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ልምዓት እታ ሃገር ናይ ምድጋፍ ዓቕሙ እናዕበየ ከም ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ከም ሜቴዎሮሎጂ ዝበሉ ትካላት ዓቕሞም ምጥንካሩ ሓደጋታትን ስግኣታትን ኩነታት ፀሓይ ቀዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል እዩ።

መንግሥቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዘሳለጦም ስራሕቲ ሪፎርም ትኽክለኛን እዋናውን ሓበሬታታት ብመልክዕ ቅድመ መጠንቀቕታ ምቕራብ ከም ዝተኽኣለን ኣድላይ ቅድመ ምድላው ብምግባር ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ ከም ዘኽኣለን ተዛሪቦም።

ዘተኣማምን ሓበሬታታት ሜቴዎሮሎጂ ናብ ተግባራዊ መምርሕታት ምቕያር ሂወት ዜጋታት ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ዓቕሚ ሃገራዊ ሃፍቲ ምሕላውን ብሓበሬታ ዝተደገፈ ውሳነ ምሃብን ከም ዘጠናኽር እውን ኣብራህሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ሓበሬታታት ሜቴዎሮሎጂ ብምውዳድ ብምስላጡ ዝሓሸ ውፅኢት ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም።

ደገፍ እቲ ኢንስቲትዩት ንብዙሓት ዓውድታት ዝጠቅምን ዓቕምን ድልዉነትን ምሃብ ውሳነ ዘጠናኽርን እዩ ኢሎም።

ዓውድታት ብውፅኢታዊነት ንምምራሕ ዘተኣማምን ሓበሬታ ምርካብ ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓቕሚ እቲ ትካል ዝያዳ ምጥንኻር ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣልዒሎም።

ኣብዚ እዋን እቲ ትካል ካብ ምልከታ ሳተላይት ሓሊፉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘቐመጦም ማእኸላት ዳታን ጣብያታት መአከቢ ዳታን ኣቢሉ ሓበሬታታት ብእዋኑ ብምእካብ፣ ብምውዳድን ብዕምቆት ብምንታንን ንኣገልግሎት ምብቃዕ ኣብ ዘኽእሎ ዘተኣማምን ብርኪ ምብፃሑ ኣመላኺቶም።

ስራሕቲ እቲ ትካል ብልፅግና ንምርግጋጥ ዝተትሓዘ ውጥን ንምዕዋት ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ እውን ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ዝደመቐን ዘሐብንን ወናኒት ዓቕሚ ሜቴዎሮሎጂ ምዃና ዝጠቐሱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ በቐፃሊ ናይ ባዕላ ሳተላይት ተጠቒማ ሓበሬታታት ብቐጥታ ምስ ሳተላይት ተተኣሳስረሉ መንገዲ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ነባር ትካል ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ተምሃሮ፣ ተመራመርትን መንእሰያትን ክጉብንይዎን ትምህርቲ ክወስዱሉን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም