ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገርን ሕብረት ህዝብታትን ዓብዪ ሃገራዊ ሓይሊ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገር፣ ንሕብረት ህዝብታትን ከምኡ’ውን ንሓድነት ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኖም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 45 ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሓፈሻዊ ቤተ ክህነት ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምክያድ ጀሚሩ ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፡ ስነ-ጥሑፍ፡ ሓድግታትን ህንፀት ጥበብ ምህንድስናን ታሪኻዊን ዘላቕን ግደ ኣበርኪታ እያ።
እታ ቤተ ክርስቲያን ንዘመናት ማእኸል ትምህርቲ፣ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን ኰይና ብምግልጋል ንናፅነት ሃገርን ንሕብረት ህዝብታትን ግንባር ቀደም ኰይና ምፅናሓ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣቦታት፡ ኣዴታት ዝነበሮም ጠንካራ መንፈሳዊ ተጋድሎን እምነትን ንሃገርን ንቤተ ክርስቲያን ዘላቒ ማሕተም ምዕራፎም ብምዝካር፣ እዚ ወለዶ እውን እዚ መርኣያ ብምስዓብ ሃገራዊ ፀገማት ብምፍታሕ ግደኡ ክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።



ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኵሎም ትካላት ሃይማኖት ብሓባር ዘራኽቦም ቀንዲ መሰረት ኢትዮጵያዊነት ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ትካላት ሃይማኖት መሰረት ህንፀት ሃገርን ሰላምን ምዃኖም ብምግላፅ፤ እዚ ኣበርክቶኦም ከጠናኽሩ ሓቲቶም።
መንፈሳዊ ኣቦታት፣ ካህናት፣ ሊቃውንትን ምእመናንን ተዋሂብዎም ዘሎ ሓደራ ብምፍፃም ዘላቒ ሰላም ብምፅናዕ፣ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር፣ ድኽነትን ድሕረትን ብምውጋድ ኣወንታዊ ግደኦም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት፤ እቲ ጉባኤ ሰበካ ብዕሊ ምጅማሩ ኣበሲሮም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ጉባኤ ፍቕሪ ብምስፋሕ፣ ሓድነት ንምጥንኻርን ተጊህኻ ንምስራሕን ቆራፅነት ዝሕደሰሉ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም