ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢምሬትስን ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፅነተን ኣረጋጊፀን

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢምሬትስን ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እንትኸውን፤ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊ ዘተታት እናካየደ እዩ ዝርከብ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ገዛኢ ማእኸላይ ባንኪ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ካሊድ መሐመድ ባላማ ዘትዮም።
ዘተ ገዛእቲ ማእኸላይ ባንክታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ እዩ።



ስርዓታት ፋይናንስ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ንምቅርራብን ልምዲ ንምልውዋጥን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም።
እቲ ዘተ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት መሰረት ዝገበረ እንትኸውን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም