ምትሕብባር ንግዲ ግብርና ኢትዮጵያን ሩሲያን ስግግር ቴክኖሎጂ ብምቅልጣፍ ዓቕሚ መፍረያይነት ንምህናፅ ዝሕግዝ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምትሕብባር ንግዲ ግብርና ኢትዮጵያን ሩሲያን ስግግር ቴክኖሎጂ ብምቅልጣፍ ዓቕሚ መፍረያይነት ንምህናፅ ዝሕግዝ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3 /2019 (ኢዜኣ) ምትሕብባር ንግዲ ግብርና ኢትዮጵያን ሩሲያን ስግግር ቴክኖሎጂ ብምቅልጣፍ ውሕስና ምግቢ ዘረጋግፅ ዓቕሚ መፍረያይነት ንምህናፅ ከም ዝሕግዝ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ገሊፆም።
ብኣዳላውነት ኢዜኣ “ምሕዝነት ንግዲ ግብርና ኢትዮጵያን ሩሲያን፤ ኢንቨስትመንት፣ቴክኖሎጅን ውሕስና ምግብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምትሕብባር ግብርና ኢትዮ-ሩሲያ ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ተኻይዱ።
ኣብ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምስፍሕፋሕ ንግዲ ዝራእቲ ዌይሳ ጋረደው፤ ግብርና ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ዕቤት እናምፅአ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ዕቤት ዝምዝገብ ዘሎ ድማ ብእታዎት፣ቴክኖሎጂ፣ሓይሊ ሰብ ከምኡ እውን መፅናዕትን ምርምርን ተደጊፉ እዩ ኢሎም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ጠንካራ ርክብ መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይ ዝሕግዝ ምህዳር ምትሕብባር እናፈጠረ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ንግዲ ሩሲያ ያሮስላቭ ታራሲዩክ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ሩሲያን ኢትዮጵያን ኣብ ንግድን ልምዓትን ግብርና ዘለወን ምትሕብባር እናዕበይኦ ከም ዝመፃ ኣረዲኦም።
ሩሲያ ካብ ኢትዮጵያ ቡና፣ኣትክልትን ፍራ ምረን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ግብርና ከም ትርከብ ኢትዮጵያ እውን ካብ ሩሲያ ሓመድ ማዳበሪያን ዘይቲ ብልዕን ከም ተእቱ ኣብራህሪሆም።
ልውውጥ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግብርናን ዲጂታል ቴክኖሎጅን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዕድላት ምትሕብባር እናስፍሐ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ሩሲያ ፕሬዚዳንት ዲያስፖራታት ኣፍሪካን ሓላፊ ማሕበር ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ዳርእሰከዳር ታዬ፤ ዲያስፖራ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ልዑል እጃም እናበርከተ እዩ ኢሎም።
እቲ ዲያስፖራ ዘኻዕበቶ ልምድን ፍልጠትን ናብ ኣፍሪካ ብምስግጋር ኣብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ሓባራዊ ተረባሕነት ንምዕባይ ርኡይ ፋይዳ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
ነበር ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ኢትዮጵያ ፀደቄ ኣባተ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ መፍረያነት ግብርና ብምምሕያሽ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዓቕማ እናጠናኸረት እያ ትርከብ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ምትሕብባር ንግዲ ግብርና እውን መፍረያይነት ንምዕባይ፣ስግግር ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ንምቅልጣፍ ልዑል ረብሓ ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም።
ዓቕሚ ምቅንብባር ፍርያታት ግብርና ኣብ ውሽጢ ሃገር ምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ መሰረታዊ ጉዳይ ከም ዝኾነ ኣብ ኩባንያ ፕሮሚሲንግ ኢንተርናሽናል ትሬዲንግ ሓላፊ ውሽጢ ሃገር ሃብታሙ ሚሊዮን ገሊፆም።
ምትሕብባር ግብርና ኢትዮ-ሩሲያ ኣብ ልውውጥ ንግዲ ጥራሕ ከይተገደበ ኣብ ኢንቨስትመንት፣ቴክኖሎጂ፣ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ምቅንብባር ፍርያት ሓባራዊ ተረባሕነት እተን ሃገራት ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።