ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው እዩ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው እዩ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሒቢሩ ንምስራሕ ድሉው እዩ ክሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሎሚ ኣብ መኸፈቲ መበል 45 ጉባኤ ሰበካ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተረኺበ ኣለኹ ኢሎም።
ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ኣብ ሓድጊ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ኣብ ሓለዋ ዱር ፣ ብሓፈሻ ኣብ ህንፀት ሃገር ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ መተካእታ የብሉን ኢሎም።
እዚ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ድኽነትን ድሕረትን ንምጥፋእ፣ ሰላም ንምፅናዕን ህዝብታት ንምትእስሳርን ቀዳሚ ተራ ከም ትፃወት ተስፋ ይገብር ኢሎም።
ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ እውን ገሊፆም።