ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማንን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2017 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንሪፎርም ዓውዲ ሓይሊ ኢንቨስትመንትን መፈፀሚ ምዝማንን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን  ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ 145 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ዶላር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ  ህዝቢ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ ኣካይዱ።

እቲ ቤት ቤት ምኽሪ  ኣብ ኣኼባኡ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዓለም ለኻዊ  ማሕበር ልምዓትን (IDA) ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ናይ 145.8 ሚሊዮን ዶላር ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ዘቲዩ ኣፅዲቑ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ  መንግስቲ  ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ነቲ ቤት ምኽሪ  ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ዕላማ እቲ ልቓሕ መተሓላለፊ መረብ ሓይሊ  ኣዲስ ኣበባ  ንምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ጣብያታት ሓይሊ  ንምህናፅን ዘለዉ ንምምሕያሽን ከምኡውን መስመራት መተሓላለፊ  መሬት ውሽጢ  ንምዝርጋሕን ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንተተኣንግዶ መበል 32ይን ዓለም ለኻዊ ጉባኤ  ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (COP 32) ዘተኣማምን ዘመናውን  ኣቕርቦት ሓይሊ  ንምርግጋፅ እቲ ሰምምዕነት ልቓሕ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ  ተዛሪቦም።

እቲ ልቃሕ ቐሊልን ዝተሓተ ፀቕጢ ገንዘብ ዝፈጥርን ተባሂሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ ናይ  ሽዱሽተ ዓመት እዋን እፎይታ ሓዊሱ  ኣብ 31 ዓመታት ውሽጢ ተከፊሉ ዝዛዘም ምዃኑ ኣብሪሆም።




እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዓለም ለኻዊ  ማሕበር ልምዓትን (IDA) ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ናይ 145.8 ሚሊዮን ዶላር ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ፤ ኣዋጅ ቁፅሪ 1441/2017 ገይሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም