ዘተኣማምን ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ ናብ ተግባር ምቕያር ህይወት የድሕን፤ ሃፍቲ እውን ይሕሉ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ዘተኣማምን ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ ናብ ተግባር ምቕያር ህይወት የድሕን፤ ሃፍቲ እውን ይሕሉ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እቲ ትካል ዝተማልአ ኣገልግሎት ትንበያ ኣየር ብምሃብ ንዓቕሚ ልምዓትን እታ ሃገር ወሳኒ ስራሕቲ ዘካይድ ናይ ነዊሕ ዘበን ዕድመ ዘለዎ ትካል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እቲ ዑደት ነቲ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዘሎ ፀባይ ኣየርን ኩነታት ኣየርን ብትክክል ንምርዳእን ምላሽ ንምሃብ ዓቕሚ ንምጥንኻርን፤ ምእካብ ሓበሬታታት ሚቲዎሮሎጂያዊ፣ሳይንሳዊ ምርምር ከምኡ’ውን ዕብየት ቴክኖሎጂ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ዘረጋግፅ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ከም ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዝመመሳሰሉ ትካላት ምጥንኻር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።


 

ሕርሻ፡ ማይ፡ ጥዕና፡ ኣቪዬሽንን ምሕደራ ስጋኣት ሓደጋን ሓዊሱ ቐንዲ ዓውድታት ዝድገፉሎም ኣገልግሎታት ንምምሕያሽ፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ፣ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታትን መሰረተ-ልምዓት ሓበሬታን ፈሰስ  ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሓደጋታት ኣቐዲምካ ንምትንባይ፡ ኣብ ኣየኖት ኣከባቢታት ዝያዳ ጣልቃ-ኣእታዉነት ከም ዘድሊ ንምውሳን፣ ከምኡ’ውን እዋናዊን ውፅኢታዊን ብዝኾነ መንገዲ ንኽንቀሳቐስ ንምግባር ስርዓታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ዘለዎም ኣገዳስነት ኣበረታቲዑኒ እዩ ክብሉ ገሊጾም።

ዘተኣማምን ሓበሬታ ናብ ተግባራዊ መመርሒታት እንተተቐይሩ ህይወት የድሕን፡ ሃፍቲ ይሕሉ፣ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ውሳነ ንምሃብ ከም ዝሕግዝ እዮም ኣልዒሎም።

ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ካብ ናይ ሳተላይት ትዕዝብቲ ሓሊፉ ሰፊሕ መዋቕር ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓበሬታታት ብእዋኑ ኣኪብካ፣ ኣዋዲድካን ተንቲንካን ቕልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዘርግሑ ጠንካራ ናይ ሓበሬታ መኣከቢ ጣብያታትን  ማእኸላት መረብን ወሳኒ መሰረት ምዃኖም ገሊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም