ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን (DDR) ዳግማይ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2 /2019(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን (DDR) ዳግማይ ተጀሚሩ።
ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ብምውፃእ ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስ ንዝደልዩ መናእሰይ ኣብ ከተማ መቐለ እናተመዝገቡ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ ክልል ትግፋይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቒ፣ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ምውፃእን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን ዝሓቖፈ ከይዲ ዲዲኣር ዳግማይ ከም ዝተጀመረ ተገሊፁ።
ኣብቲ ከይዲ ምቕፃል፣ ካብ ኲናት ወፂኦም ናብ ሰላማዊ መነባብሮ ምምላስ ዝደልዩ ዕጡቓት ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ምዝገባ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ብምቕራብ እናተመዝገቡ እዮም ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ከይዲ ምዝገባ ካብ ዝሳተፉ ሓደ ሓደ ዕጡቓት መናእሰይ ከም ዝበልዎ፤ በቢ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሳርሒኦም ድሕሪ ምርካቦም ናብ መቐለ ብምምፃእ እናተመዝገቡ ይርከቡ።
እቲ ከይዲ ዲዲኣር ዳግማይ ምጅማሩ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝርከቡ ዕጡቓት ካብ ወታደራዊ መነባብሮ ብምውፃእ ዝተረጋግዐ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ሂወት ንክምስርቱ ሓዱሽ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ሓለፍቲ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብግደኦም፤ ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ጎንፂ ንፀገም ዝተቓልዑ መናእሰይ ትግራይ ተስፋ ከይቆረፁ፣ ናብ ሰላማዊ ሂወት ንምምላስ ዘኽእሎም ኣማራፅታት ንክጥቀሙን ቀፃሊ ሂወቶም ዳግማይ ንክሃንፁን ፃውዒት ከም ዘቕረቡ ዝፍለጥ እዩ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ከይዲ ዲዲኣር (DDR) ዕጡቓት ካብ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ናብ ስሩዕ ማሕበራዊ መነባብሮ ንክምለሱ፣ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ንክሳተፉ ምኽኣል ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።
ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ምውዳድን ደገፍን መንግሥቲ ኢትዮጵያ፣ዝተፈላለዩ ትካላትን ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላትን  ወሳኒ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ እዋን ምዝገባ ዘዘራረብናዮም ሓደ ሓደ ዕጡቓት እቲ ከይዲ DDR ዳግማይ ምጅማሩ ካብ ዕጡቕ መነባብሮ ናብ ሰላማዊ ሂወት ንምስግጋር ኣድላይ ስጉምትቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይን ማእኸል ሰሜን እዚን ብምቕራብ ምምዝጋብ ንዝደልዩ ዕጡቓት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም