ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብስልኪ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2 /2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብስልኪ ዘትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ዋና ዋና ዞባዊ ጉዳያን ውፅኢታውን ሃናፅን ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዘለና ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለና ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም