መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንትነኽብር ዝተውሃበና ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ-ኣመራርሓነ ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንትነኽብር ዝተውሃበና ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ-ኣመራርሓነ ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2/2019 (ኢዜኣ) መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንትነኽብር ዝተውሃበና ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ ክብሉ ኣመራርሓነ ሰራሕተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ገሊፆም።
መበል 19 መዓልቲ ሰንደቕ ዓለማ “ሰንደቅ ዓላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ሓድነትናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተከቢሩ።
ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ብፓነል ዘተን ስነ ስርዓት ምስቃል ሰንደቅ ዓላማን ኣኽቢሮም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብሄራዊ ሰንደቅ ዓላማ ኩለ መዳያዊ ትርጉም ዘለዎ ምልክት ሃገር እዩ።
ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ እውን ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ምቕፃል ህልውና ሃገር፣ምርግጋፅ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምጥንኻር ፍቕሪ ዜግነትን ዘለዎ ምልክት እዩ ኢሎም።
በዚ ድማ ትፅቢት ዝግበረልና ብምውፃእ ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፋ ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ብትግሃት ምስራሕ ትፅቢት ይግበረለና ክብሉ ሓቢሮም።
ዓውዲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሃገራዊ ምርድዳእን ሓድነት ህዝብታትን ዘጠናኽሩ ሓበሬታታት ብኣግባቡ ብምውዳድ ፍቕሪ ዜግነት ከጠናኽር ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
በዙይ እውን መንፈስ ዓድዋ ብምልባስ ሓባራዊ ፃዕርታት ብምእካብ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንዝስዕብ ወለዶ ንምርካብ ኩሉ እዋን ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ እውን መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተኽብሩ ዝተወሃቦም ሃገራዊ ተልእኾ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው ምዃኑ ገሊፆም።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ብወገኖም፤ ከም ትካል ሃገራዊ ሓድነት ንምፍጣር ዘተኣኻኽብ ተረኽ ናብ ቕድሚት ብምምፃእ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም፡፡
ኢዜኣ ዘሳልጦም ዜናን ምስ ዜና ዝተሓሓዙን ንጥፍፈታት ብዝበለፀ ብምዕባይ ሃገራዊ ምርድዳእን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ዝገለፁ ድማ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ተፈራ በቀለ እዮም።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤተልሄም ኣበባው ብወገነን ሰንደቕ ዓላማና መግለፂ ሓድነትና ምዃኑ ብምጥቃስ፤ እዙይ እውን ንኣፍሪካውያን ተምሳሌት ናፅነት ምዃኑ ተዛሪበን።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፤ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተኽብሩ ዝተወሃቦም ሃገራዊ ተልእኾ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ንኣትወሉ እዩ ኢሎም።
መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ እነኽብረሉ እዋን ዝተወሃበና ሃገራዊ ሓላፊነት ብምውፃእን ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ጉዳያት ብትኹረት ብምስራሕ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ምሕላው ከምዝግባእ ገሊፆም።