ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ብሄራዊ ምርድዳእና እዩ - ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ብሄራዊ ምርድዳእና እዩ ክብሉ ሚኒስትር መተሓባባሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና መበል 19 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኽቢሩ።

ሚኒስትር መተሓባባሪ ማእከል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ሃገርና ኣፈላላይ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ እንተሃለወ እውን ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ሓድነትናን ብሄራዊ ምርድዳእናን እዩ ኢሎም።

እቲ መዓልቲ ክንኽብር እንተለና ወለዶታት ተቐበሊቦም ናብዚ ዘብፅሕዎ ናፅነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ንምቕጣል ተወሳኺ ሓላፊነት ዘለዎ ምዃኑ ብምዝካር እዩ ኢሎም።


 

ነዚ እውን ቀዳሞት ኣቦታትና ብደሞምን ብኣዕጥምቶምን ኢትዮጵያ ኣፅኒዖም ነዚ ክብሪ ስለዝበፅሑና ክብሪ ይግብኦም እዩ ኢሎም።

ታሪኽ ንምኽባር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ነቐፃሊ ዝፅበየና ሓላፊነትን መስዋእትነትን ብምፍላጥን ምድላውን ኩለ መደያዊ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዘኽብሩ ስራሕቲ ክንሰርሕ ክንክእል ኣለና ኢሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም