ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ድሕንነት ሃገርናን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ድሕንነት ሃገርናን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2/2019(ኢዜኣ) ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ዲጂታል ሉኣላዊነት ሃገርና፣ድሕንነት ዜጋታትን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መበል 7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር “ንቑሕ ዜጋ፤ድሕንነታ ዝተሓለወት ሃገር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም።
ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዘዐወትናዮም ምስፍሕፋሕ ተጠቃሚነት ኢንተርኔት፣ዓውዲ ቴሌኮም ንውድድር ምኽፋት፣ምስፍሕፋሕ ስርዓታት ዲጂታል ክፍሊትን ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብዲጂታል መልክዑ ምምዕባልን ንዲጂታል ስግግር መሰረት ኣንቢሮም እዮም ክብሉ እውን ሓቢሮም።
እዚ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ብምስግጋር ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ጋህዲ ንምግባርን ዕቤት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ዓቕሚ ሃገራዊ ብልፅግና ንክኸውንን ኣብ ኩሎም ዓውድታት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ምህዳር ሳይበር ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ዘተኣማምን ብምግባር ንሃገራዊ ልምዓት፣ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ንዝለዓለ ሃገራዊ ብልፅግናን ዝገብሮ ፃዕሪ 24/7 ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዘድሊ ኣብሪሆም።
ስለ ዝኾነ ድማ ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ዲጂታል ሉኣላዊነት ሃገርና፣ድሕንነት ዜጋታትን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ ኢሎም።
ንዲጂታል ምህዳርና ዝሕልው፣ድሕንነት ሃገርና ዘጠናኽርን ቀፃኢ ዲጂታል ጉዕዞና ዘረጋግፅን ንቑሕን ሓላፍነት ዝስመዖን ዜጋ ምህናፅ ካብ ኩላትና ትፅቢት ዝግበር እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።