ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ንክብሪ ዜጋታት ዝሕልውን ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅእ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና - ከንቲባ አዳነች አቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ንክብሪ ዜጋታት ዝሕልውን ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅእ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና - ከንቲባ አዳነች አቤቤ
ኢዲስ አበባ/ ጥቅምት/ 1/2019 (ኢዜአ)፦ ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ንክብሪ ዜጋታት ዝሕልውን ጭቡጥ ውፅኢት ዘመዝግብን ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን ።
ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ከነካይዶ ዝፀናሕና ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ምምሕዳር ከተማና ዛዚምና ኢለን።
ኣብ ገምጋምና ድማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ነበርቲ ከተማና ዝሃቡና እምነትን ዝሃቡና ሓላፍነትን ብተኣማንነት ንምፍፃም ብመሰረት ዝኣተናዮ ቃል፤ ኣብ ኩነታት መነባብሮን ተረባሕነትን ነበርትና ለውጢ ዘምፅኡ፣ ንቀፃሊ ስራሕትና ጉህድ መሰረት ዝኾኑ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ተግባራት ምፍፃም ከም ዝኸኣልና ገምጊምና ክብላ እተን ከንቲባ ኣመልኪተን ።
ስራሕቲ መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብዝፈጥር መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ እቲ እዋን ዝሓቶ ኣወዳድባ ብምምሕያሽን ውፅኢት መሰረት ብምግባርን ሓደሽቲ ወዳበታት ኣመራርሓ ምክያድ ተኻኢሉ ኢለን ።
ንዕውት ኣፈፃፅማና መሰረት ዝኾኑ ኣብ ከተማና ዝተፈጠረ ትግሃት ስራሕ፣ ብተኣማንነት ናይ ምግልጋል ባህሊ፣ ብኣምር መደመር ብቕልጡፍን ብፅፈትን ናይ ምፍፃም ልምዲ ከምኡ እውን ግዘ እንተየባኸነ ትልሚ ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ዓቕምና ምኹኖም ፀሪሐን።
ኣብ ትልሚ 90 መዓልታት ወለንታ ስራሕቲ ክረምቲ፣ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ህንፀት ኣባይቲን ኣብ ዝተበላሸዉ ከባቢታት ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲን ኣካይድና ኢና ብምባል ኣዘኻኺረን።
ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎምን ብምኽንያት ልምዓት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ፅሩያትን ክብሪ ዜጋታት ዝሕልዉን ኣባይቲ ክረኽቡ እውን ከምተሰርሐ ኣገንዚበን።
ትሑት እቶት ንዘለዎም ነበርቲ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ መኣዲ ናይ ምክፋል ስራሕቲ ኣካይድና ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን ክረምቲ ህንፀት ኣይካየድን እዩ ዝብል ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ብምልዋጥ፣ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ክነካይድ ክኢልና ኢና ብምባል ገሊፀን ።
ስራሕቲ መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብዝፈጥር መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ እቲ እዋን ዝሓቶ ኣወዳድባ ብምምሕያሽን ውፅኢት መሰረት ብምግባርን ሓደሽቲ ወዳበታት ኣመራርሓ ምክያድ ተኻኢሉ ኢለን ።
ኣብ ዘፈር መሰረተ-ልምዓት ትራንስፖርት እውን ኣርባዕተ ዓበይቲ ማእኸላት መዕረፊ መካይንን ተርሚናላትን ናብ ስራሕ ኣእቲና ኢና።
ሓደሽቲ መንገድታት፣ መገድታት እግረኛን ብሽክለታታትን፣ መስመራት መውፅኢ ማይን ፈሳሲ ርስሓትን ብምህናፅ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ውሕጅ ንምንካይ ኣብ ህይወት ሰባት ዝበፅሕ ዝነበረ ሓደጋ ሞት ንምክልኻልን ጭቡጥ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና።
ኣብ እዋን ክረምቲ ዝህሉ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ ኣብ ሸውዓተ ማእኸላት ዕዳጋ ሰፊሕ ቀረብ ፍርያት ናብ ከተማና ክኣቱ ብምግባር፤ ምኽባር ናብራ ንምንካይ ሰሪሕና ኢና። ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን እውን ደረጀኦም ክነዕቢ ክኢልና ብምባል ሓቢረን ።
እዚኦም ሓዊሱ ኣብ ዘፈራት ልምዓት ሰብ ማእኸል ዝገበሩ ዘካየድናዮም ተግባራት ማሕበራዊ ፍትሒ ንምዕሳል ልዑል ግደ ነይሩዎም። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ መንጎ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝረኣዩ ኣፈላላይት ኣፈፃፅማ ብመስርሕ ደገፍን ክትትልን ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ክብላ ኣረዲአን ።
እንሰርሖም ኩሎም ስራሕቲ ብመንፅር ህንፀት ትካላት ልዑል ትኹረት ዝሓቱ እዮም። ዝተበታተነ ዓቕሚ ራኢ ኣየሳኽዕን እዩ፤ ሃገር እውን ኣይሃንፅን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ብግልፂ ዝተነፀረ ግደ ስራሕን ተሓታትነትን ክህልዎ ብኣምር መደመር ተዋዲዱ ዝሰርሐሉ ኣሰራርሓ ምጥንኻር ይግባእ ክብላ ኣፅንዖት ሂበን ።