ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና-ተጠቀምቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና-ተጠቀምቲ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና ክብሉ ተጠቀምቲ ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 1 ይቅምቲ 2019 ዓ/ም ናብ ከተማ መቐለ ዳግማይ በረራ ከም ዝጅምር ብዝገለፆ መሰረት ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሎሚ ጀሚሩ።
ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውሮፕላን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሪፋ።
ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ስዒቡ እውን ብርክት ዝበሉ ነበርዪ ከተማ መቐለ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተሰምዕ ታሕጓስ ገሊፆም እዮም።
ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማን ካልኦት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎትን እቲ ትራንስፖርት ዳግማይ ብምጅማሩ ከም ዝተሓጎሱ ሓቢሮም።
እዚ ድማ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነትን ተግባራዊ ስጉምትን ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝግበር ፃዕሪ ከም ዘቀላጥፎ እውን ተዛሪቦም።
ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ንስራሕ ጉዳይ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸድሉ እዋን እቲ በረራ ብምቛረፁ ምኽንያት ንፀገም ዋላ ተቓሊዖም እንተፀንሑ ሐዚ እቲ ኣገልግሎት ብምጅማሩ ዓቢዪ ደስታ ተሰሚዕዎም እዩ፤ ተስፋኦም እውን ለምሊሙ እዩ።
ምጅማር ኣገልግሎት በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኩለ መደያዊ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ስጉምትታት ሓደ ምዃኑ እውን ገሊፆም።
እቲ ክልል ንሕፅረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ተቓሊዑ ምፅናሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣሸናፊ፤ መንግስቲ ፌደራል ሐዚ ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ከም ዘፅንዕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ኣይተ ናትኤል ሰለሞን ብወገኖም፤ ኣገልግሎት በረራ ዳግም ብምጅማሩ ኣዝዮም ሕጉስ ምዃኖም ተዛሪቦም።
ወሲኾም እውን ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተጀመረ ዘበረታትዕ ኣገልግሎት በረራ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነቶም ገሊፆም።
ኣይተ ሃድራት ኮት ኣገልግሎት በረራ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ልዑል ደስታ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።