መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዘካይዶ በረራ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዘካይዶ በረራ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ ፤ ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ፦ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ስሩዕ በረራ ሎሚ ጀሚሩ።
ኣውሮፕላን እቲ ኣየር መንገዲ ሎሚ ንግሆ ኣብ ከተማ መቐለ ዓሪፋ።
ናብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ በረራ ምጅማሩ ስዒቡ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣበነጋ ተረኺቦም ታሕጓሶም እናገለፁ እዮም ዝርከቡ።