መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዘላቒ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዘላቒ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ ፤ ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዝለዓለን ዘላቒን ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ነዚ ዝበላ ሎሚ ንግሆ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ነበርቲ እታ ከተማን ብምዃን ኣብ ዘካየዳኦ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ እዋን እዩ።
ሙሉእ ጥዕንኡ ዝተሓለወን ኣፍራይን ወልዶ ንምህናፅ ኣብታ ከተማ ብዙሓት መዘወተሪ ቦታታት ስፖርት ምህናፆም ገሊፀን።
ነባሪ እታ ከተማ ነዞም መሰረተ ልምዓታት ኩሉ ግዘ ብዝግባእን ብበዓል ዋናነት ስምዒትን ክጥቀመሎም ከምዝግባእ እውን መኺረን።
ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ፃዕርታትን ዝሰርሑ ስራሕቲን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላጽ፣ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ተዛሪበን።
ሉኣላውነት ሃገርና፣ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ከተማና ንምሕላው ኩሉ ሰብ ብሓባርን ብምትሕብባርን ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን።