አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ይርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ይርከብ
መራ /መስከረም/ 30/2019ዓ/ም/ኢዜአ/ አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጲያ አፍሊጡ።
ካብ መአኸል መኸዘኒ እኸሊ አዳማ ተጻዒኑ ህጹጽ ሰብአዊ ሓገዝ ናብ ክልለ ዓፋር አብ ምጉዕዓዝ ከምዘርከብ እቲ ኮምሽን ገለጹ።
ንዘጋጥሙ ተፈጥራዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ክልላት ብናይ ባዓለን ዓቅሚ ምላሽ ንምሀብ እናተረባረባ እንትኾና እቲ ኮምሽን እውን ቀዳምነት ንዝሓረየን ከባቢታት ተወሳኺ ሰብአዊ ሐገዝ እናገበረ ይርከብ።
ብ መሰረት እዚ አብ ክልል ዓፋር ብቀዳምነት አብ ዝተሓረዩ ድጋፍ ንዘድልዮም ወገናት እቲ ሓገዝ ኣብ ምብፃሕ ከምዝርከብ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ ።
ክልል ዓፋር እቲ ብባዓሉ ዓቅሚ ዝገብሮ ሓገዝ ክትትልን ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ኮምሽን ናይ ቀረባ ድጋፍን ክትትልን እናገበረ ምኻኑ ገሊፁ ኣሎ።
ካብ አዳማ መሕለውታ ናይ እኽሊ መኻዝን ሐገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ዓፋር ተንቀሳቂሰን አለዋ።