ኣብ ትግራይ ምስ ጉጅለ ህወሓት ተዓጢቖም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብቲ ክልል ናብ ዝተዳለዉ መቐበሊ ማእኸላት ከይዶም ንክምዝገቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /30/2019(ኢዜኣ) ኣብ ትግራይ ምስ ጉጅለ ህወሓት ተዓጢቖም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብቲ ክልል ናብ ዝተዳለዉ መቐበሊ ማእኸላት ከይዶም ንክምዝገቡ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ፃውዒት ኣቐሪቡ።

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣብ ዝሃብዎ መገለፂ፤ ምስቲ ጉጅለ ተዓጢቖም ዝነበሩ፣በቢ ከባቢኡ ተሓቢኦም ዘለዉ፣ሕዚ እውን ምስ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ናብ ጫፋት ትግራይ ዝወፁን ካብ ትግራይ ዝወፁን ዕጡቓት፤ መንግሥቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዘዳለዎ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ስሩዕ ሂወቶም ንምምላስ በቢ ከባቢኦም ናብ ዘለዉ ማእኸላት መቐበሊ ነበር ዕጡቓት ብምኻድ ቀልጢፎም ክምዝገቡን ሪፖርት ክገብሩን ከም ዘለዎም ኣታሓሳሲቦም።

ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እውን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናብቶም መንግሥቲ ዘዳለዎም ማእኸላት መቐበሊ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ እውን ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ምትሕብባርን ቃልስን ዝናኣዱ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ፤ ሕዚ እውን በቢ ከባቢኻ ዘለዉ ዝተሓብኡ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ብምምዓድን ንመንግሥቲ ሓበሬታ ብምሃብን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣስዒቦም፤ ልኡኽቶ ብሄራዊ ተሃድሶ ኣንፃር መንግሥቲ ተዓጢቖም ዝነበሩ ዜጋታት ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ስልጠና ተሃድሶ ብምሃብን ዘላቕን ዝተረጋግዐን ሂወት ንክነብሩ ምምችቻውን ናብ ሰላምን ልምዓትን ንክምለሱ ምግባርን እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ እውን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ተዓጢቖም ዝነበሩ ዜጋታት ስልጠና ተሃድሶ ብምሃብ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ዳግማይ ምጥያሽን እናተሳለጠ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ስምምዕ ሰላምን ነቲ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያሽን ከም ዘተዓናቐፎ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሰብ ዋና እቲ ኲናት ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ግብፅን ሻዕቢያን እዮም ክብሉ ኣብ መግለፂኦም ከይፀርሑ አይሓለፉን ።

ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ምትሕብባርን ቃልስን ዝናኣዱ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ፤ ሕዚ እውን በቢ ከባቢኻ ዘለዉ ዝተሓብኡ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ብምምዓድን ንመንግሥቲ ሓበሬታ ብምሃብን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።

ከተማታት ማይጨው፣ መኾኒ፣ መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓብይ ዓዲን ሽረን ማእኸላት መቐበሊ ዕጡቓት ከም ዝኾኑ እውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም