ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ስልጣነ ንምግባር ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ስልጣነ ንምግባር ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣዲስ ኣበባ ማእኸልን መርኣያን ስልጣነ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትካላት ናይ ምፈፃም ዓቕሞም ብምዕባይ ዝተደመረ ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2019 የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሕብረተሰብ ካብ ዝተኣተወ ቓል ንላዕሊ ብምፍፃምን ብዓወት ብምዝዛም፣ ብዝበለፀ መገዲ ንምስራሕ ዘኽእል ዳግማይ ዕድል ከምዝተረኽበ ተዛሪበን።
ኣብ ዝቕፅል እውን ስራሕቲ ብዝበለፀ ብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን ትልሚ በጀት ዓመት 2019 ተዳልዩን ተገምጊሙን ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፀን።
ለውጢ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ከምዝተገብረን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተተግበረ ትልሚ 90 መዓልቲ ብምድላው ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ዝሓበራ እተን ከንቲባ፤ ብዙይ እውን ዝንኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣረዲአን።
ዝተኻየዱ ተግባራት ካብ ቑፅሪ ንላዕሊ ምርኣይን ውፅኢታት ምስ ምቅላል ፀቕጢ መነባብሮ ሕብረተሰብን ከምኡ’ውን ምስ መንፅር ምምሕያሽ መነባብሮ ምምዛን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ዘለና ዓቕምን እታዎታትን ንግቡእ ስራሕ ምውዓል ይግባእ ዘበላ እተን ከንቲባ፤ ከም መንግስቲ ኣንፈት ምህናፅ ስልጣነ መደመር ኢትዮጵያ ንኽተል ኣለና ኢለን።
ስልጣነ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተጀመረ ምዕባይን ምድማርን ከምዝሓትት ብምሕባር፤ ነዙይ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ትካላትን ባህሊ ስራሕ 24/7 ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ብተተናፀላዊ ስራሕ ትካላት ዝድለ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዘይክኣል ብምግላፅ፣ ስራሕቲ ብሓባርን ብዝተዋደደ መገድን ምፍፃም ኣሰራርሓ ኾይኑ ንኸቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።