ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን መሰረት እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን መሰረት እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2018 (ኢዜአ)፦ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ቁልፊ ግደ ዝፃወት ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ጉዳያት ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ገሊጾም።
ኣምባሳደር ዘሪሁን ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘጋጥሙ ከም ድንገተኛ ሓደጋ ውሕጅን ድርቅን ዝመመሰሉ ምስ ምዝባዕ ኣየር ንብረት ዝተኣሳሰሩ ተደራረብቲ ፈተናታት ንምፅዋር ዓቢይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ንምትሕብባር፣ ንዞባዊ ምትእስሳር ከምኡ’ውን ንፍትሓውን ምኽንያታውን ተጠቃምነት ማይ ዓባይ ዘይቀያየር ቅዋም ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተሞርኮሰ ምትእስሳር ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦምሉ።
ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ እንተሃንፅ ረብሓ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል፤ ንዞባዊ ልምዓት፣ ለውጢ ኣየር ንብረት ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ንምህናፅን ውሕስነት ኢነርጂ ንምርግጋፅን ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።
እቲ ግድብ ኣብ ዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ ዝተገብረ ዓቢዪ ኢንቨስትመንትኣፍሪካ እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ ፈተናታት ኣየር ንብረት ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ዕድላት ሒዙ ምምፅኡ ኣመላኺቶም።
እቲ ግድብ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው፣ ማይ ብምኽዛንን ሓደጋ ውሕጅ ብምቕናስን ንሱዳንን ንግብፅን ዝበለፀ ረብሓ ከምዘረክብ ኣብሪሆም።
እቶም ኣምባሳደር ወሲኾም ከምዝገበልዎ፣ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ኣከባቢ ምስ ናይ ግብፂ ግድብ ኣስዋን እንተነፃፀር ትሑት ትነት ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ብምኽንያት ትነት ዝባኽን መጠን ማይ ብዓቢይኡ ከምዝቕንሶ ገሊፆም።
ብተወሳኺ እቲ ግድብ ዋሕዚ ማይ ብዝግባእ ኣብ ምቁፅፃር መዳይ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለብ ምዃኑ፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ንብረት፣ ህይወት ሰብን ኣብ መንበሪ ዜጋታትን ዝበፅሕ ሓደጋ ውሕጅን ዕንወትን ንምክልኻል ከምዘኽእል ኣመላኺቶም።
ከይዲ ምፅዋር ድርቂ ብዝተመልከጽ፣ ኣብ ግድብ ህዳሸ ዝኽዘን ማይ ኣብ ነዊሕ እዋን ድርቅን ሕፅረት ማይን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ዝበለፀ ምትሕግጋዝ ከምዝፈጥርን ውሕስነት ማይ ከምዘረጋግፅን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።
እቲ ግድብ ናይቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ዘምንጭዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድልየት ኢነርጂ ጎረባብቲ ሃገራት ንምምላእ ከምዘኽእል ተዘሪቦም።