ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካር ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካርን ጉጅለ ልኡኾምን ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካርን ጉጅለ ልኡኾምን ሎሚ ረኺበዮም ኢሎም።



ፃንሒቶም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን ዘሎ ጠንካራን ዝፀንሐ ምሕዝነትን ዳግማይ ዘረጋገፀ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ህንዲ ምስ ዝገበርኩዎ ዑደትን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብዝነበረኒ ፃንሒትን ስዒቡ ኣብ ዝተጠናኸረ ምትሕብባርን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ተዘራሪብና ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም